ኣብ ሱዳን ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝሕለቕ ኣካል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ
2026-05-08 19:41:59 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 54 timesነጅዋ ሙሳ ካዩንዳ
ስትራተጅካዊ ተበግሶ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ሱዳናዊ ትካል፡ ውድብ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ሓርነት-ሰሜን፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንዝተኣሰራ ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ነጣፊትን ንክፈትሓ መጸዋዕታ ምቕራቡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።
እታ ነጅዋ ሙሳ ካዩንዳ ዝተባህለት ሱዳናዊት ነጣፊት ኣብ ወርሒ ማዝያ 2026 ኣብ ግዝኣት ኑባ ኣቶራ ኣብ ዝተባህለ ብምንቅስቓስ ህዝባዊ ሓርነት ሰሜን ዝመሓደር ፍሉይ ቦታ እያ ተኣሲራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ናብ ማእከላይ ቦታ ናይቲ ምንቅስቓስ ካዩዳ ከም ዝተመሓላለፈት እቲ ተሓላቒ ኣካል ኣፍሊጡ።
እቲ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝጣበቕ ኣካል፡ እታ ግዳይ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ-ኩነትን ንክትፍታሕ፡ ነቲ ብዓብደል ዓዚዝ ኣል ሂሉ ዝምራሕ መሪሕነት ናይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣተሓሳሲቡ። ናይታ ግዳይ ቤተሰብ ብወገኖም ናይ ጥዕና ጸገም ከምዘለዋ ክጠቕሱ እንከለዉ፡ ከም ቤተ ክርስትያን ጎበታት ኑባ ዝኣመሰሉ ሃይማኖታዊ ትካላት ከኣ ብኣካል ክርእይዋ ፈቲኖም ከም ዝተኸልከሉ ምቅልዖም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።
እቲ ነታ ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ነጣፊትን ዝኣሰረ ምንቅስቓስ ንህዝባዊ ሓርነት ሰሜን ብስፍሓት ኣብ ደቡባዊ ኮርድፋንን ግዝኣት ብሉ ናይልን ዝንቀሳቐስ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ “ታእሲስ” ኣብ ዝበሃል መድረኽ ምስቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ኣብ ምሕዝነት ኣትዩ ኣንጻርቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ዝዋጋእ ዘሎ እዩ። እታ ግዳይ ዝተኣሰረትሉ ምኽንያት ኣብ መንጎ ዓሌታት ዝተፈጥረ ጐንጺ ንምፍታሕ ዘኽእል ሽምግልና ስለ ዘካየደት ምዃና’ውን ተጠቒሱ።
ካዩንዳ ኣብ ከባቢ ኑባ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐትን ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ስረሓት ዳግመ-ህንጻን ብዓብይ ከኣ ኣብ ምሕላቕ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብዝጸንሓ ልሉይ ግደ ብብዙሓት እትፍለጥን ባእታ ምዃና እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ጉዳይ ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ ብውሽጣዊ ሕድሕድ ውግእ ኮነ ግዳማዊ ተጽዕኖታትን ኢድ ኣእታውነትን ኣብ ኣዝዩ ንቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ዘስግእ ኩነታት ወዲቑ ዘሎ እዩ።